ገለ ገሌኹም ካብዚ ተምሃሩ . . . ሓደ ሓደ ደቀቕቲ ሙሁራት ንዑ ካብዚ ተምሃሩ። ምምሃር ማለት ኣንፃር ታሪኽካ ምስራሕ ማለት ኣይኮነን። ዶ/ር ቴድሮስ ንውልቁ ዝተርፎ ነገር ሃልዩ ኣይኮነን (ገለ ገሌኹም ኩሉ ነገር ብዓይኒ ረብሓን ካድረነትን ስለ እትሪኡዎ ኢለ እየ) - ግን ድሙቕ ታሪኹ ከህስስ ኣይኮነን ኣብዚ በሪኽ ሓላፍነትን ዓወትን ዘሎ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ብርኪ ዓወትን ታሪኹ ፣ ጀጋንኡ ፣ ዓዱን ህዝቡን ዘኽብር ናይ መትከል ሰብ ኮይንካ ክትርከብ ኣለካ። ዶ/ር ቴድሮስ ለይትን ቀትርን ድምፂ ህዝቡ ኮይኑ እዩ። ንሱ ምስዚ ኹሉ ሓላፍነት ተፅዕኖታት ተፃዊሩ - ሓደ ክንዲ ሚልዮናት ኮይኑ ድምፂ ውፁዕ ህዝቢ ትግራይ ንዓለም ከስምዕ ከሎ ተተሾጊጦም ዝነበሩ እዮም ሐዚ ከካብ ዝተሾጎጡሉ ወፂኦም "11 ለካቲት ክትኽበር የብላን" ኢሎም ሓወልቲ ሰማእታት ከይተረፈ እናገልበጡ ኣንፃር ታሪኽን ሰማእታትን ትግራይ ዝሰርሑ ዘለዉ። ከምዚ ዓይነት ምድብ ዘይትረኽበሎም ገለ ፊደል ምቑፃር ዘስከሮም ደቀቕቲ ሙሁራን ካብ ሓደ ኣብ ብራኸ ፍልጠትን ሓላፍነትን ዓለም ዘሎ ዓብዪ ሓዎም ከም መርኣያ ወሲዶም ክመሃሩ ተስፋ እገብር። እንኳዕ ኣሕቢሩ ኣብፀሐና ኣያና! ንትግራይ ድምፅን ዓቕምን እናኾንካያ ክትቅፅል ድማ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ! ክብርን ሞገስን ንስውኣትና!
@BashaDesta You better directly engage and confront with any concern fellow Tegaru might raise than citing Dr Tedros on subjects out side Health matters. One concern : Do you agree with statement of art-2(a) below? if yes, why and how ?
@BashaDesta We can't learn anything from the mafia TPLF's history, which have led to division among the Tegaru, migration, ongoing warfare, economic, cultural & power disparities, starvation, famine, & the tragic loss of a million lives. It's imperative that we swiftly remove the mafia TPLF.
@BashaDesta Don't rely on Tedros to justify the unjustifiable. Instead, provide ur own argument on the significance of the TPLF mafia group. The TPLF mafia network has caused division among the Tegaru, migration, continuous conflict, starvation, famine & the tragic loss of a million lives.